ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ነሓሰ 2024)

on the studio with beye.jpg

Get the SBS Audio app

Other ways to listen

ንሎሚ ሓሙስ 22 ነሓሰ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ብደቀንስትዮ ብፍሉይ ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ ኣብ ትግራይ ይጽመበል ኣሎ። ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዞባታት፡ ወረዳታትን ከተማታትን ንሱ ዘይፈልጦም ኣኼባታት ከይካየዱ ከልኪሉ። ሉእኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ኣርእስታት እዩ ነይሩ።፡ ኣብ ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ካብ ዕለት 05 ክሳብ 08 ነሓሰ 2024 ዝተኻየደ ጉባኤ ዉድባት ኤርትራ ፡ ፖሊቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝብል ናይ ሰለስተ ዉድባት ስምምዕ ዝምልከት ቃለ መሕትት መቐጸልታ ክቐርብ እዩ ። ገዛኹም ካብ ባልዓትን ሓሳኹን ምክልኻል; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፧ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሓደስቲ ወለዲ ኣብ ልዕሊቲ ብመንግስቲ እናተኸፈልካ ዝወሃብ ናይ ወላዳት ዕረፍቲ ናይ ጥሮታ ወይ ሱፐራንወሽን ክውሰኽ እዩ። ሰበ-ስልጣን ጥዕና ቪክቶርያ ፡ ቍጽሪ እቶም ብ ሕማም በዲዶ ህበይ ወይ mpox. ዝሓመሙ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ ሓቢሮም ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ።



Share