"ንብርሃነ ክቐብር ዝወጸ ብዝሒ ህዝቢ፡ ኣብነቱ ተኸቲሉ እቲ ህዝቢ ለውጢ ንኸምጽእ ዝደረኸ ምዃኑ ምስክር እዩ።" ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ

The Late Eritrean Minister of Finance, Berhane Abrhe, Who Passed Away in Prison.

Credit: Supplied

Get the SBS Audio app

Other ways to listen

ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፉ። እቲ ወዲ 79 ዓመት ሚንስተር ብርሃነ ካብ 17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ካል ኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ብዘይፍርዲ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ዓሪፉ። ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ ናይ ቀረባ ቤተሰቡን መጋድልቱን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ህይወት ኣቶ ብርሃነን ኣብ ስርሑ ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታትን ሕልፈቱን ኣካፊሉና ኣሎ።



Share