“ኣብ ኣውስትራሊያ ምስዝህሉ ኤርትራዊ’የ ዝብል፡ ኣብ ኤርትራ ክኸውን ከለኹ ኣውስትራሊያዊ እየ።” ንፈለማ ካብ ኤርትራ ናብ ኣውስትራሊያ እተሰደ ያረድ።

ኣብ 1969 ቅድሚ 51 ዓመት እታ ካብ ዓዱ ኣዚያ ርሒቓ ትርከብ ናብ ኣውስትራልያ ናይ ፈለማ ሰብ ኮይኑ ብምስዳዱ ታሪኽ ሰሪሑ፡ ኣብ መበቆል ዓዱ ኤርትራ ትሕቲ 17 ዓመታት ካብ ናይ ህይወቱ ዕድመ ኣብ ኣውስትራሊያ ግና ዝበዝሐ ልዕሊ 51 ዓመታትዩ ነቢሩ፥

Yared Elsae Family

Source: Yared Elsae

ንትምህርቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ 51 ዓመት ናብ ኣውስትራሊያ ዝተሰደ ኣቶ ያረድ ኤልሳእ፡ ናይ ፈለማ ሰብ ኤርትራ ዝመበቆሉ ኣብ ኣውስትራሊያ ክነብር ዝጀመረን፡ ጻዕዳ ኣውስትራሊያዊት ተመርዕዩ ብ ኢንጂኔሪንግ ናይ መንግስቲ ቪክቶሪያ ፕሮጀክትታት ዘማኽርን እዩ።


Yared Elsae
The First person to migrate from Eritrea to Australia. Source: Yared Elsae
ኢንጂኔር ያረድ ኤልሳእ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ሻሙናይ ሃገራዊ ፈተና ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ ተመሃሮ ተመሪጾም ናብ ጀነራል ዊንጌት ዝበሃል ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይከዱ ብምንባሮም፡ ንሱውን ሓደ ካብቶም ዉሑዳት ነቲ ዕድል ዝረኽቡ ኮይኑ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ወደአ። ካብዚውን ምስካልኦት ሰለስተ ኢትዮጵያዊያን ተመሪጹ ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ ኣብ 1969 ወዲ 17 ዓመት ከሎ ናብ ኣውስትራሊያ ክመጽእ ክኢሉ። ኣብቲ እዋን ብዙሓት ካብ ኣፍሪቃ ናብ ኣውስትራሊያ ዘይኣተዉሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ ንበዓል ያረድ ጽቡቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ከምዝነበረ ይዛረብ። “ኣብ ባቡር ይኹን ኣብ መገዲ ዝረኽበካ ኩሉ ቀሪቡ ክሓተካን ከዕልለካን እዩ ዝደሊ፡ በቃ ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ ኮይኑ ረኺብናዮ” ብምባል ነቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ይገልጽ።

ብዕደና (Mining) ክመሃር ተላኢኹ እንተነበረኳ፡ ናብ በረኻ ከይደ ኣይሰርሕን’የ ብምባል ብሲቪል ኢንጂኔሪንግ ካብ ዩኒቨርሲቲ  RIMT ተማሂሩ፡ ኣብ ዚንባብወን ሕጂ ድማ ን ኣስታት 32 ዓመታት ከም ኣማኻሪ ናይ መንግስቲ ቪክቶሪያ ናይ ሓጽቢታትን ፓርክታትን ይሰርሕ ኣሎ።


ኣብቲ ፈለማ ናብ ኣውስትራሊያ ዝኣተወሉ እዋን ንኣስታት 10 ዓመታት ሓደ መርከበኛ ሓደ ድማ ብ ኣውስትራሊያ ናብ ካልእ ክሓልፍ ዝረኸቦ ኤርትራዊ ከምዘይነበረ እዩ ዝገልጽ ኣቶ ያሬድ። ድሒሩ ግና ፍስሃየ ኣብርሃም ዝተባህለ ብትምህርቲ ዝመጸን ድሒሩ ምስ ቃልሲ ኤርትራ ዝተኣሳሰሮን ከምዝረኸበ ገሊጹ። ፍስሃየ ኣብርሃም ናይ ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ ኣብ ኣውስትራሊያ ሓላፊን፡ ንፍሉጥ ናይ ዓይኒ ሓኪም ፍረድ ሀሎውስን ን ኣውስትራሊያዊ ደራሲ ቶም ከነሊ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዘላለየን፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ናይ ፈለማ ኣምባሳደር ናይ ኤርትራ ዝነበረን እዩ።

ኢንጂኔር ያረድ፡ ምስቲ ኣብ ሰማኒያታት ብዝሑ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ዝምድናኡ እናሓየለ ብምኻዱ ጽምዋ ኣይተሰመዖን። ምስ ሓንቲ ኣውስትራሊያዊት ጻዕዳ ን 32 ዓመት ሓዳር ጌሩ ኣቦ ክልተ ኣዋልድን ሓደ ወዲን ኮይኑ ህይወቱ ኣብ ኣውስትራሊያ ንኣስታት 51 ዓመታት ዝመርሕ ዘሎ ሰብ እዩ።


ምሉእ ዕላል ምስ ኣቶ ያሬድ ኤልሳእ ብድምጺ ተቐዲሑ ኣብዚ ተተሓሒዙ ኣሎ።
Yared Elsae Family
Yared Elsae Family Source: Yared Elsae

Share
Published 9 August 2020 10:19am
Updated 9 August 2020 5:20pm
By Beyene Semere Weldegiorgis

Share this with family and friends